ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶመ ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም 918 ቀፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶመ ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም 918 ቀፂሑ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 25 ሺሕን 218 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 206 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 58 ሺሕን 672 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 21 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 918 በፂሑ ኣሎ።

ትማሊ 531ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሐሾም እንትኸውን፥ ብድምር ክሳብ ሎሚ መዓልቲ 21 ሺሕን 307 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣብ ክትትል ሕክምና ዝርከቡ ሰባት ቁፅሮም 36 ሺሕን 445 እንትኾን፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ 308 ሰባት ብፅኑዕ ዘሓሙ ኢዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሚሊየን ሰባት ምርመራ ላብራቶሪ ከምዝተገበረ ዶክተር ሊያ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፀን ፅሒፈን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment