ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ሕማም ቲቢ በቢመዓልቱ 57 ሰባት ከምዝሞቱ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ሕማም ቲቢ በቢመዓልቱ 57 ሰባት ከምዝሞቱ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

በቢሰዓቱ ድማ 2 ሰባት ህይወቶም ከምዝስእኑ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ኣብ ክሊ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ቲቢ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝተባብዑ ውፅኢታት ከምዘርኣዩ ብምግላፅ፥ ሐዚ እውን ትኹረት ዝደሊዩ ፀገማት ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ናይዚ መርኣዪ ሕማም ቲቪ ኣለውዎም ተባሂሎም ካብ ዝጥርጠሩ ሰባት እቶም 29 ሚኢታዊ ናብ ትካላት ሕክምና ዘይምምፅኦምን መድሓኒታት ቲቪ ዝተላመዶ ተህዋሲያን ምፍጣሮም ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment