ኣብ ኢትዮጵያ በዝሒ ብቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 74 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ በዝሒ ብቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 74 እንትበፅሑ 14 ሰባት ድማ ካፍቲ ሕማም ከምዝሓወዩ ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ላቦራቶሪ ካብ ሞንጎ ዝተገበረሎም 247 ውልቀ ሰባት እቶም ሰለስተ ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኸፉ ምርግጋፁ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ዝለኣኸኦ መግለፂ፥ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገፁ ውልቀ ሰባት ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ ናይ ወፃኢ ጉዕዞ ታሪኽ ዘይብሎም ምዃኖም ኣብሪሀን።

ሰለስቲኦም ውልቀሰባት ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኾኑን ብቫይረስ ኮሮና ምስዝተለኸፈ ሰብ ርክብ ከምዝነበሮም ኣይተረጋገፀን እውን ኢለን።

እቶም ውለቀ ሳባት ክልተ ደቂ ደቂ ተባዕተዮ እንትኾኑ እታ ሓንቲ ድማ 23 ዕድመ ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ከምዝኾነት ኣብ መግለፂአን ኣብሪሀን።

ብተወሳኺ ካብ ሞንጎ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኣርባዕተ ሰባት ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ነዙይ ስዒቡ ድማ በዝሒ ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ ሰባት 14 በፂሑ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment