ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ 3 ሚሊየን ዓመት ዝነበሩ ቅሪተ ኣካልን መገልገሊ ናውቲን ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ )ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ወረዳ ኮንሶ ሓጓፍ ሽንጥሮ ያዳ ቱሚ ስፍራ ቅድመ ታሪኽ ‹‹ሓዱሽ ጥንቲ›› ከምዝተረኸበ ተገሊፁ።

ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ቴማቲክ ፈንድ ምስ ዝተብሃለ መሓዛ ብዝተረኸበ ገንዘብ ምርምር ንዓመታት ብዝተገበረ መፅናዕቲ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ኮንሶ ሓጓፍ ሽንጥሮ ቅሪት ኣካልን ጥንታውያን ሰባት ዝተገልገሉሎም ናይ እምኒ መሳርሒታትን ተረኺቦም።

እቲ ርካብ ኣብ ቅድሚ 2ን 3ን ሚሊየን ዓመት ዝነበሩ ዓሌታት እንስሳት ንምርኣይ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ መፅናዕቲ ጥንታውያን ዓሌታት ሓራምዝ፣ ዓሌታት ናይ ቀርኒ ከፍቲ፣ ዓሌታት ሓሰማ፣ ጉማረ፣ ቅሪተ ኣካል እንስሳት ምድሪን ባሕሪን ተረኺቦም።

እቲ ርካብ ካብ ቅሪተ ኣካልን ክዙን መሳርሒ እምኒን ከምኡ እውን እቲ ክዙን ብመንፅር ዝተረኸበሉ ውሱን ኣቀማምጣ መሬትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረኸቡ ርካባት ብጥንታዊ ክምደብ ዝኽእል ኢዩ ምባሉ ዋልታ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment