ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ዝተሓዘሉ ብሕታዊ መገዲ ዴሞክራሲያዊን ሰላማዊን መረፃ ጥራሕ ከምዝኾነ ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልላት፣ ክልቲአን ምምሕዳር ከተማታትን ብሄራዊ ቦርድ መረፃን ኣብ ከይዲ ምዝገባ መረፅቲ ኣመልኪቶም ተዛቲዮም፡፡
ዶክተር ኣቢይ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ “ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ሰላማዊ ኣማራፂ ወፃእ ካልኦት ኣማራፂታት ዘየዋፅኡን ክትግበሩ ዘይኽእሉን ኢዮም” ኢሎም።
ምዝገባ መረፅቲ ኣብ መጀመርያ ሰሙናት ብዝድለ መልክዑ ኣይንበር እምበር፥ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ብፅቡቕ ኩነታት እናተኻየደ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ከይዲ ክልል ሲዳማ 80 ሚኢታዊ፣ ኣምሓራ 51 ሚኢታዊ፣ ኦሮሚያ 85 ሚኢታዊ፣ ቤኒናንሻንጉል ጉሙዝ 70 ሚኢታዊ፣ ሃረሪ 55 ሚኢታዊ፣ ደቡብ 53 ሚኢታዊ፣ ኣዲስ ኣበባ 88 ሚኢታዊ፣ ድሬዳዋ 84 ሚኢታዊ፣ ሶማሌ 43 ሚኢታዊ ኣብ ዝተኸፈታ ጣቢያታት መረፅቲ ከምዝተመዝገቡ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጦም፡፡
ኣካቢት ቦርድ መረፃ ብርቱካን ሚዴቅሳ፥ ከይዲ ምዝገባ መረፅቲ ኣብዝሓለፉ መዓልቲታት ብዘሐሸ መገዲ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ኣብቲ እዋን ዘተ ተዛሪበን፡፡
ይኹን እምበር ዝወፅአ ግዘ ሰሌዳ ምዝገባ ንኽዛዘም ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ስለዝተረፎ፥ ንኩሎም መረፅቲ ተበፃሒ ንምግባር ምንዉሑ ዘይተርፍ ኢዩ ኢለን፡፡
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ክሳብ መዓዝ ከምዘናወሖ ትፅቢት ዝግበረሉ ጉዳይ ኢዩ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ዜጋታት ሕገ- መንግስታዊ መሰሎም ንምጥቃም ኣብ ዝተረፉ መዓልቲታት ንምምራፅ ዘኽእሎም ካርድ ንኽወስዱ ፀዊዖም፡፡
ብኣልኣዛር ታደለ
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!