ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ – ውሕመ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣበ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ዝቕፅል ምዃኑ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ናይ ኢትዮጵያ ቢሮ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ መተሓባበሪ ቢሮ ሚሼል ሳድ ምስ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ብኲናትን ጎንፂን ከምኡ እውን ብምኽንያት ድርቂ ብዙሓት ሰባት ንፀገም ከምዝተቃልዑ ኣበሪሆም።

ስለዝኾነ ድማ ሰብኣዊ ቀውሲ ንምቅላል ውድብ ሕቡራት መንግስታት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ናይ ኢትዮጵያ ቢሮ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቕርበት እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም።

ከም ገለፃ እቶም ሓላፊ፥ እቲ ቢሮ ልዕሊ 22 ሚሊየን ንዝኾኑ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ንምግባር ልዕሊ ሰለስተ ቢሊየን ዶላር ሰሊዑ እናሰርሐ ይርከብ።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ምስ ዘሎ በዝሒ ተረዳእቲ ንለገስቲ ተወሳኺ ሓገዝ ገንዘብ ንኽገብሩ ፃዕሪታት እናተገበሩ ከምዝኾኑ ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት፥ ብዙሓት ሓገዝ ዝደልዩ ዜጋታት ኣብ ዘለዉለን ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ምግባሩ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀረባ እዋን እውን መሓዙት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝኾኑ ትካላት ናብ ትግራይ ሓገዝ ብመሬት ንኸኣቱ ምፍቃዱ ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝኸውን ገሊፆም።

እቲ ቢሮ ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንዝደልዩ ዝጋታት ሓገዝ ምግባሩ ኣጠናኺ ክዝቕፅል ኣረጋጊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment