ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋዕን ንምምፃእ ኣዋጅ ህፁፅ ጊዘ ምልዓሉ ቅኑዕ ስጉምቲ ኢዩ-ቱርኪ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋዕን ንምምፃእ ኣዋጅ ህፁፅ ጊዘ ምልዓሉ ቅኑዕ ስጉምቲ ኢዩ ከትብል ቱርኪ ገሊፃ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር፥ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ እቲ ኣዋጅ ክለዓል ምውሳኑ እታ ሃገር በእወንታ ከምእትርእዮን አትቕበሎን ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋዕን ንምምፃእ ቅኑዕ ስጉምቲ ኢዩ ኢሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋዕን ንምምፃእ ዓሊሙ ዝግበሩ ፃዕሪታት ምድጋፋ ከምእትቕፅልን ንዕውትነቶም ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን ከምእትሰርሕን እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ምፍላጡ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment