ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩ ኤስ ኤይድን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ንኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ሓገዝ ንግዚኡ ዘቋፁሉ ምኽንያት ዝበሉዎም ጉዳያት ዘፃሪ ኮሚቴ ቴክኒክ ተወዲቡ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ተገሊፁ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ሎሚ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ትካል ተራድኦ ኣሜሪካን ንኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ሓገዝ ንግዚኡ ጠጠው ከምዘበሉ ኣዘኻኺረን፡፡
ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ምስዞም ኣካላት ብምዃን ናይ ኣሰራርሓ ክፍተት ኣለዎም ኣብ ዝተብሃሉ ጉዳያት ምምሕያሽ ንምግባርን ዘይሕጋዊ ተግባራት ተፈፂሞም እንተኾይኖም ምፅራይ ብምግባር ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ድሉው ከምዝኾነ ምፍላጡ እውን ኣብሪሀን፡፡
በዚ ድማ ብመሪሕነት ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ምስቲ ጉዳይ ቀጥታ ርክብ ዘለዎም መዳርግቲ ትካላት ተወከልቲ ዘካተተ ከምኡ እውን ካብቶም መሓዙት ወሃብቲ ሰብኣዊ ሃገዝ ዝተውፃእፅኡ ኣባላት ዝተኻተቱሉ ኮሚቴ ቴክኒክ ተዋዲዱ ስራሕ ከምዝጀመረ ገሊፀን፡፡
እቲ ኮሚቴ÷ ዝተፈላዩ መፍትሒ ሓሳባት እናቕረበ ናይ ኣሰራርሓ ምምሕያሽ የድልዮም ዝበሎም ዓውዲታት ብምፍላይ መፍትሒ ሓሳባት እናቕረበ ውፅኢታዊ ልዝባት እናገበረ ከምዝርከብ እውን ተዛሪበን፡፡
ብምዃኑ ክሳብ ሕዚ ፅቡቕ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ኣብሪሀን።
ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታ ግቡእ ሓገዝ ክበጥኾም ብወገን መንግስቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብዕቱብ እናተሰርሐሉ ዝነበረ ተግባር ምዃኑ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር ዲኤታ÷ ኣብቲ ከይዲ ልዕልነት ሕጊ ክኽበር ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡
እቲ ኮሚቴ ኣብ ቀረባ እዋን ዝበፅሖ ውፅኢት ብዕሊ ክነፍልጥ ኢና እውን ኢለን፡፡
ብፌቨን ቢሻው
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com