ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኮቪድ-19 ተተሓሒዙ ኣንቲቦዲ ወይ ድማ እቲ ሕማም ናይ ምክልኻል ሰውንትና ዘፍርዮም ተኸላኸልቲ ሕማማት ዓቕሚ ንምፍላጥ መፅናዕቲ ዳህሳስ ክግበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 29 ጥሪ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ምርመራ ላቦራቶሪ ኮቪድ-19 ዝተጀመረ እንትኸውን ኣብዚ ሕዚ እዋ ድማ ኣብ ኩለን ክልላት ኣብ ዝርከባ ላቦራቶሪታት ክሳብ ትማሊ 14 ሰነ 2012 ዓ.ም ን216 ሺሕን 328 ሰባት ምርመራ ከምዝተገበረ ኢንስቲተዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎም ሰባት ንምፍላይ ዝሕግዝ ሞለኪዩላር ዓይነት ምርመራ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዘሎ ዝርገሐ እቲ ሕማም ንምርዳእን ኣንፃራዊ ምላሽ ንመሃብን ከምኡ እውን ብዝበለፀ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብ ዘሎ ዝርገሐ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምፍላጥ ዝሕግዝ ምርመራ ምግባር ኣድላዪ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ ዳህሳስን መፅናዕቲን ኣንቲቦዲ ዝተብሃለ ዓይነት ምርመራ ኣብ ኢትዮጵያ ንምርምር ንምጥቃምን እቶም ዝተፀርሑ ዕላማታት ንምዕዋትን ምርመራ ኣንቲቦዲ ወይ ድማ እቲ ሕማም ናይ ምክልኻል ሰውንትና ዘፍርዮም ተኸላኸልቲ ሕማማት ካብ ሎሚ መዓልቲ ክሳብ 7 ሓምለ 2012 ዓ.ም ክካየድ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣንቲቦዲ ሰውነትና ንሕማም ኣብ ዝቃለዐሉ እዋን ነቲ ሕማም ምስተቓልዐ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ዘኣክል እቲ ሕማም ንምክልኻል ሰውነትና ዘፍርዮም ተኸላኸልቲ ሕማማት ማለት ከምዝኾነ ካፍቲ ኢንስተትዩት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ውሽጢ ሰውነትና ዝህሉ ምፍራይ ኣንቲቦዲ፥ ብዕድመ፣ ኩነታት ኣመጋግባ፣ ንጥቀሞም ኣፋውሳት፣ ክብደት እቲ ሕማምን ተተሓሓዝቲ ሕማማትን ከምዝውሰን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment