ኣብ ኢትዮጵያ ማእኸል ሳተላይት ንምህናፅ ዘኽእል ሰምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ማእኸል ሳተላይት ንምህናፅ ዘኽእል ሰምምዕነት ተፈሪሙ።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያን ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባን ክታሞም ኣምቢሮሙሉ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብረሃም በላይ፥ ኣካላት ሳተላይት ንምፍራይ፣ ንምግጥጣመን ፈተነ ንምግባርን ዘኽእልን ክልሰሓሳብ ምስ ተግባር ብምውዳድ ርኡይ ልምዲን ዓቕሚን ዝርከበሉ ማእኸልን ፍሉይ ሃገራዊ መሰረተ ልምዓት ምዃኑን ተዛሪቦም።

ቻይና ብዝገበረቶ ሓገዝ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሳተላይት ምሕምባብ ከምዝተኽኣለ ብምዝኽኻር፥ እቲ ማእኸል ምህናፅ ማለት ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ምስራሕ ዝከኣለሉ ዕድል ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም።

ብመንፅር እዚ ብናይ ሓባር ዓቕሚ ዕላዊ ከምዝኸውን ሓቢሮም።

ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ፕሮፌሰር ሂሩት ወልደማርያም ብግደአን፥ እቲ ፕሮጀክት ብሓገዝ ክልቲኦም ሚኒስቴራት ኣብያተ ዕዮ ተግባራዊ ከምዝኸውን ኣረዲአን።

ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝገበርዎም ዝነበሩ ምርምራት ክልሰሓሳብ ናብ ተግባር ዝልውጥሉ ኣሰራርሓ ከምዘይነበረ ብምሕባር፥ ኣብቲ ዓውዲ ምርምር ንምግባር፣ ጭቡጥ ትምህርቲን ልምዲን ንምርካብን ምርምራት ንምዕባለ ሃገር ንምውዓል ዓሊምካ ብሓባር ምስራሕ ከምዘኽእልን ገሊፀን።

እቲ ማእኸል ካብ ሕብረት ኣውሮፓን መንግስቲ ፈረንሳይን ብዝተረኸበ ድጋፍን ብምትሕብባር መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተዳለወ ቦታ ክህነፅ ኢዩ ተባሂሉ።

ነቲ ህንፀት 50 ሚሊየን ዩሮ ዘድሊ እንትኸውን፥ ህንፀቱ ኣብ 2013 ዓ.ም ክጅመር ኢዩ ከምዝተብሃለ ኣብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment