ኣብ ኢትዮጵያ መጠን ሓደጋ ትራፊክ ብ17 ሚኢታዊ ከምዝነከየ ሚኒስቴር ትራንስፖርት ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት መጠን ሓደጋ ትራፊክ ብ17 ሚኢታዊ ከምዝነከየ ሚኒስትር ትራንስፖርት ፌዴሪኢ ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ገሊፀን።

ኣብ መእተዊ ናህሪ መገዲ ኣዲስ ኣበባ – ኣዳማ “በሰላታት ሓደጋ ትራፊክ እናሓሰብና ሓምለዋይ ዓሸራና ነንብር!” ብዝል መሪሕ ቓል መርሃ ግብሪ ልገሳ ደምን ምንባር ዓሸራን ተሳሊጡ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብሓደጋ ትራፊክ ጉድኣት ዝበፅሖም ሰባትን ስድራ ቤት ግዳያት መጉዳእቲን ተረኺቦም።

እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ.ም ዝተመዝገበ 4 ሺሕን 597 በዝሒ ሞት፤ ናብ 3 ሺሕን 400 ነኪዩ ኢዩ።

ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ሕደጋ ምንካይ ዝተኽኣለ፥ ብብርኪ ሃገር “ክንበፅሖ ኢና ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብሚዲያ መድረኽ ምልዕዓል፣ ሕጊ ብምኽባርን ኣብ ዘፈር ድሕንነት መገዲ ብዝተሰርሑ ስራሕቲን ኢዩ” ኢለን።

ሓደጋ ትራፊክ ንምትራፍ ብመንፈስ ይከኣል ኢዩ ስራሕቲ ምስራሕ ከምዘድሊ ብምግላፅ፥ ኣብዚ ሰሙን ቀዳማይ ምዕራፍ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ከም ተምሳሌት ምውሳድ ከምዝከኣል እተን ሚኒስትር ተዛሪበን።

ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ዝመፅ ለውጢ ስለዘየለ ብፅንዓትን ቀፃሊነት ብዘለዎ መልክዑን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ከምዝጠናኸሩ እውን ኣብሪሀን።

ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ወዶም ብሓደጋ ትራፊክ ዝሰኣኑ ኣይተ ደረጀ ግርማ፥ ሕብረተሰብን ኣሽከርከርቲን ሕደጋ ትራፊክ ዘስዕቦ ኩለመዳይ ጉድኣት ብምርዳእ ሕግታት ድሕንነት ትራፊክ ከኽብሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ሓደጋ ትራፊክ ዝኽፍአ ስለዝኾነ ሕድሕድ ማሕበረሰብ ብጥንቃቐን ብምስትውዓልን ክጓዓዝ ከምዝግባእ ርኢቶኦም ንግዜኢ ዝሃቡ ሓደጋ ትራፊክ ዝበፅሖም ኣይተ ኣዲስ ዘመኔን ኣይተ ሃይሉ ኣለማየሁን ኣተሓሳሲቦም።

ሓደጋ ትራፊክ ብኣና የብቅዕ ዝበሉ እቶም ወሃብቲ ርኢቶ፥ እቲ ፀገም ንኸብቅዕ ብመንፈስ “ይከኣል ኢዩ” ምንቅስቓስ የድሊ ኢሎም።

ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ዋና ዓቕሚ ዝኾነ ክቡር ህይወት ሰብ ዝቐጥፍ ሓደጋ ትራፊክ ንምክልኻል ዜጋታት ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፃውዒት ምቕራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment