ኣብ ኢራቅ ኣብ ስነ ስርዓት ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ህይወት 100 ሰባት ምሕላፉ ተሰሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜን ኢራቅ ኣብ ስነ ስርዓት ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ህይወት 100 ሰባት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

በቲ ሓደጋ ንሕልፈት ካብ ዝተቓልዑ ሰባት ብተወሳኺ፥ 150 ሰባት ከምዝቖሰሉ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

መበገሲ እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብቲ መርዓ ዝተተኮሰ ርችት እንተይኮነ ኣይተርፍን ተባሂሉ።

ሰብ መዚ እታ ሃገር ብግደኦም፥ ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ተቐፃፀልቲ ነገራት ነቲ ባርዕ ሓዊ ኣጋዲደሙዎ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ገሊፆም።

መርዑት እውን ካብ ሞንጎ ዝተጎድኡ ሰባት ከምዝኾኑ ምክትል ሓላፊ ዳይሬክቶሬት ጥዕና ነነዌ ገሊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment