ኣብ ናይጀሪያ ናይ ነዳዲ ታንከር ፈንጂሩ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ 94 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜናዊ ናይጀሪያ ናይ ነዳዲ ታንከር ፈንጂሩ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ 94 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ኣብ ናይጀሪያ ክልል ጂጋዋ ዘጋጠመ እቲ ሓደጋ÷ ብተሸከርካሪት እናተጓዓዓዘ ዝነበረ ነዳዲ ታንከር ሃንደበት ተፈንጂሩ ብዘልዐሎ ባርዕ ሓዊ ከቢድ ሓደጋ ኣብፂሑ።

በዚ ድማ ካብ ዝሞቱ ሰባት ብተወሳኺ 50 ሰባት ጉድኣት ኣካል በፂሑዎም ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ትካል ጥዕና ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሓደጋ ዝበፅሓ ተሽከርካሪት ሓዊሱ ብዙሕ ንብረት ከምዝዓነወ እውን ተሓቢሩ።

Comments (0)
Add Comment