ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኒውዮርክን ከባቢኡን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ንህዳሰ ግድብ ዝኸውን ደገፍ ገንዘብ ገይሮም።
እቲ ደገፍ ገንዘብ ኣብ ትራይስቴት፣ ኒውዮርክ፣ ኒውጀርሲ፣ ኬነቲኬት ከምኡውን ካልኦት ስቴታት ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ብዌብናር ብዝተገበረ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ እቶት ኢዩ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ መልእኽተኛ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ አፅቀሥላሴ፥ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ኣብ ቤት ምኽሪ ውሕመ ዝቐረበሉ ኣግባብን እቲ ጉዳይ ኣብ መድረኽ ኣፍሪካ ንክረአ ዝተገበረ ቃልሲን ዝተረፉ ጉዳያትን ከምኡውን ክሳብ ሐዚ ዝተመዝገበ ዓወትን ናይ ኩሎም ፃዕሪን ተዋዲዱ ናይ ምስራሕ ውፅኢት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኢንጂነር ጌዲዮን ኣስፋው ብግደኦም፥ እቲ ግድብ ዝበፅሐሉ ብርኪን ከይዲ ድርድርን ብዝምልከት መብርሂ ምሃቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።