ኣብ ነቀምቴ ኣብ ውሽጢ ገዛ ብዝተፈጠረ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ክልተ ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ ነቀምቴ ብዝተፈጠረ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ህይወት ክልተ ሰባት እንትሓልፍ ካልኦት ክልተ ሰባት ከቢድ ጉድኣት ቃፀሎ በፂሑዎም።

ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ክፍሊ ምርመራ ገበን ኢንስፔክተር ማርቆስ ዋጋሪ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ሓደጋ ሎሚ መዓልቲ ቀትሪ ሰዓት 8ን ፈረቓን ኬጀሞ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ መንደር ኣብ ውሽጢ ገዛ ኢዩ ተፈጢሩ።

መልዐሊ ምኽንያት ናይቲ ሓደጋ ምቅፅፃል ኤሌክትሪክ ክኸውን ከምዝኽእል ዝገለፁ እቶም ምክትል ሓላፊ፥ ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛ ተቐሚጡ ዝነበረ ቤንዚን ነቲ ሓደጋ ከምዘጋደዶ ኣብሪሆም።

በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ሓደ ወዲ ተባዕታይን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲን ህይወቶም ዝሓለፈ እንትኸውን፥ ነበረቲ እቲ ከባቢ ነቲ ባርዕ ሓዊ ንምጥፋእ ብዝገበሩዎ ርብርብ ህይወት ክልተ ሰባት ምትራፍ ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።

እቶም ብሕይወት ዝተረፉ ሰባት ከቢድ ሓደጋ በፂሑዎም ኣብ ሆስፒታል ነቀምቴ ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጦም።

ሕብረተሰብ፥ ከም ቤንዚን ዝበሉ ተቐፃፀልቲ ነገራት ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ካብ ምቕማጥ ክቑጠብን ግቡእ ጥንቃቐ ክገብርን ከምዝግባእ ኢንስፔክተር ማርቆስ ኣተሓሳሲቦም።

Comments (0)
Add Comment