ኣብ ቻይና ኣውራ ጎደና ብምግህማሱ ህይወት 19 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዚያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቻይና ንመዓልቲታት ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ስዒቡ ኣብ ኣውራ ጎደና ግዝኣት ጉዋንግዶንግ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግህማስ ህይወት 19 ሰባት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ፡፡

በቲ ሓደጋ ጉድኣት ዝበፅሖም ካልኦት 30 ሰባት ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ንህይወቶም ዘስግእ ነገር ከምዘለ ተሓቢሩ፡፡

ምምሕዳር እታ ግዝኣት 500 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ወሃብቲ ምላሽ ሃንደበታዊ ሓደጋ ከምዘዋፈረ እውን ተገሊፁ፡፡

ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ትኽክለኛ መበገሲ ናይቲ ሓደጋ ከምዘይገለፁ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ቻይና ብበዝሒ ህዝቢ ቀዳመይቲ ዝኾነት ግዝኣት ጉዋንግዶንግ÷ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብከቢድ ሓደጋ ውሕጅ ከምዝተጠቕዐትን በቲ ሓደጋ ህይወት ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሓለፈን ይፍለጥ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment