ኣብ ቻይና ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ውድድር ሻኦሊን ኢትዮጵያውያን 3 ሜዳሊያታት ረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዙሓት ሃገራት ኣብ ዝተሳተፋሉን ኣብ ቻይና ዝተኻየደን መበል 13 ዓለም ለኸ ውድድር ዤንግዡ ሻኦሊን ኢትዮጵያን ብምውካል ኣብ ስፖርት ውሹ ዝተሳተፉ ማስተራት ሰለስተ ሜዳሊያታት ረኺቦም፡፡

ብመሰረት እዚ ማስተር ሰሚር ናስር ብኣርት ታይቺ ሜዳሊያ ብሩር፣ ማስተር በጎኣየሁ ኣድማሱ ብናንቿን ሜዳሊያ ነሓስ ከምኡ እውን ማስተር እሱባለው ይታየው ብቻንችዋን ኣርት ሜዳሊያ ነሓስ ንሃገሮም ከምዘምፅኡ ሓበሬታ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment