ኣብ ቻይና ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ልዕሊ 100 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜን ምዕራብ ቻይና ትማሊ ምሽት ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ብውሑዱ 116 ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ 220 ዝኾኑ ሰባት  ከምዝቐፖሰሉ ተገሊፁ።

ሰብ መዚ ቻይና ከምዝበሉዎ÷ ብሬክተር ስኬል 6 ነጥቢ 2 ዝተመዘገበ ምንቅጥቃጥ መሬት ትማሊ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ግዝኣት ጋንሱን ጎረቤት ኪንጋይን ከምዘጋጠመ ተሓቢሩ።

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰራሕተኛታት መድሕን ህይወት ልዑል ዛሕሊ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ሰባት ንምርዳእ እናፀዓሩ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

ድሕሪ ሰዓታት ድማ ብሬክተር ስኬል 5 ነጥቢ 5 ዝተመዘገበ ካልኣይ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ጎረቤት ዢንጂያንግ ዘጋጠመ እንትኸውን÷ ዘብፀሖ ጉድኣት ከምዘይተፈለጠ ተመልኪቱ፡፡

ፕሬዚዳንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ÷ ሓደጋ ንዝበፅሖ ጋንሱ ከባቢ ሙሉእ ስራሕቲ መድሕን ህይወት ንኽስራሕ ትእዛዝ ምሃቦም ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment