ኣብ ትግራይ 8 ሆስፒታላት ሓዊሱ 26 ጣቢያታት ጥዕና መሰረታዊ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ 8 ሆስፒታላት ሓዊሱ 26 ጣቢያታት ጥዕና መሰረታዊ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚረን።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ኣየለ ተሾመ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ እተን ትካላት ጥዕና ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ን83 ሺሕ ዜጋታት ኣገልግሎት ምሃበን ኣብሪሆም።

መንግስቲን መዳርግቲ ኣካላትን ልዕሊ 200 ሚሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር 225 ሜትሪክ ቶን እታዊታት ጥዕና ናብትካላት ጥዕና ክልል ትግራይ ተበፃሒ ምግባሮም እውን ተዛሪቦም።

ሕፅረት ኣምቡላንስ ከምዘሎ ዝተዛረቡ እቶም ሚኒስትር ጥዕና፥ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ብመዳርግቲ ኣካላት ዝተሓገዙ ኣምቡላንሳት ናት ትግራይ ከምዝለኣኻ ሓቢሮም።

ኣብቲ ክልል ዘለዋ ማእኸላት ባንኪታት ደምን ኦክሲጅንን ናብ ስራሕ ንምእታው ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ብዙፋን ካሳሁን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment