ኣብ ትግራይ 31 ተወሰኽቲ ሰባት ቫይረሰ ኮረና ከም ዝተረኸቦም ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ስዓታት ውሽጢ 316 ሰባት ምርመራ ላብራቶሪ ተገይሩሎም 31 ሰባት ቫይረሰ ኮረና ከም ዝተረኸቦም ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎዲፋይ ገሊፆም።

እቶም ቫይረስ ኮሮና ዝተረኸቦም ሰባት ክልተ ደቂ ኣንስትዮን 29 ደቂ ተባዕትዮን እንትኾኑ፥ ካብ 5 ክሳብ 55 ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ኢዮም።

13 ኣብ ማይ ካድራ፣ ሓደ ኣብ ሰቲት ሑመራ፣ ሓደ ሰብ ቫይረስ ኮረና ምስ ዘለዎም ሰባት ርክብ ዝነበሮ እቶም 9 ድማ ጉዕዞ ታሪኽ ዝነበሮም ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩ፤ ሓደ ሰብ ኣብ ፋፂ ምስ ቫይረስ ዝነበሮም ሰባት ርክብ ይኹን ጉዕዞ ታሪኽ ዘይነበሮ፤ 15 ሰባት ኣብ መቐለ እቶም ሰለስተ ምስ ቫይረስ ኮረና ዘለዎ ሰብ ርክብ ዝነበሮምን ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩን 12 ድማ ጉዕዞ ታሪኽ ዝነበሮም ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩ ከም ዝኾኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ክሳብ ሕዚ 5 ሺሕን 715 ምርመራ ቫይረስ ኮረና ተገይሩሎም 153 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙ እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

ካብ ውሽጢ እዚኣቶም 141 ሰባት ኣብ መሐከሚ ማእኸል እንትርከቡ፥ 12 ሰባት ድማ ካብ ቫይረስ ኮረና ዲሒኖም ከም ዝወፁ ተገሊፁ።

ኣብ መሐከሚ ማእኸል ሰቲት ሑመራ ዝነበሩ ክልተ ቫይረስ ኮረና ዝነበሮም ተሓከምቲ ሎሚ ድሒኖም ከም ዝወፁ እውን ዶክተር ሓጎስ ጎደፋይ ኣገንዚቦም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment