ኣብ ትግራይ 12 ዓይነት ስሩዕ ክታበታት ይወሃቡ ከምዘለዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ 12 ዓይነት ስሩዕ ክታበታት ይወሃቡ ከምዘለዉ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሚኒስቴር ሓላፊ ዴስክ ክታበት ኣዴታትን ህፃናትን መልካሙ አያሌው፥ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ትግራይ ንህፃናት ኣድለይቲ ዝኾኑ ክትባታት ንምብፃሕ በምውዳድ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኩሎም ከባቢታት እቲ ክልል ንምብፃሕ መስ ዩኒሴፍ፣ ውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን በምውዳድ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ብብርኪ ሃገር ዝተጀመረ ክታበት ሕማም ነፍዮ ኣብ ተግራይ ንምጅማር ኣድላዪ መድላው ይግበር ኣሎ ኢሎም።

ብፍላይ ሃፍቲ ናይ ምትእኽኻብ፣ ምፍጣር ግንዛበ፣ ስልጠና ሰብ ሞያ፣ ማእኸላት መኽዝን መድሓኒት፣ ፍሪጅን ካልኦት እታዎታትን ናይ ምምላእ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ብመላኩ ገድፍ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment