ኣብ ትግራይ 1 ነጥቢ 7 ሚሊዮን ዜጋታት ሰብኣዊ ደገፍ ረኺቦም – ሚኒስትር ሙፈሪያት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ 1 ነጥቢ 7 ሚሊዮን ዜጋታት ሰብኣዊ ደገፍ ረኺቦም ክብላ ሚኒስትር ሰላም ሙፈሪያት ካሚል ገሊፀን።

ኣብቲ ክልል 800 ሺሕ ዜጋታት ደገፍ ሃናፂ ምግቢ ከምዘድሊዮም እውን ተዛሪበን።

ብሚኒስትር ሰላም ሙፈሪያት ካሚልን ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቤስሊንን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ኣወሃህባ ሰብኣዊ ደገፍ ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ተዓዚቡ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ መቐለ ዝርከብ ማእኸላይ መኽዘን ንሰብኣዊ ደገፍ ዝተዳለወ እኽሊን ኣብ ከባቢ መቐለ ዝርከብ ማእኸል ሰብኣዊ ደገፍን ሪእዮም።

እተን ሚኒስትር፥ መንግስቲ ብዝገበሮ ቀዳማይ ዙር ዳህሳስ መፅናዕቲ ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ደገፍ ዘድሊዮም 2 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ዝጋታት ከምዝተለለዩ ገሊፀን።

ሰብኣዊ ደገፍ ካብ ዘዲዮም ዜጋታት ክሳብ 1 ነጥቢ 7 ሚሊየን ደገፍ ከምዝረኸቡ ተዛሪበን።

ብፍላይ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ሃናፂ ምግቢ ዝወሃብ ዘሎ እንትኸውን፥ ምሳ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ትካላት ብምትሕብባር ደገፍ ይወሃብ ከምዘሎ ገሊፀን።

ብመንንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ዓዲ ዝተገዝአ ስንዳይ ትምሊናብ ማእከላዊ መኽዘን መቐለ ከምዝኣተወ እውን ተዛሪበን።

ሃናፂ ምግቢ ንዘዲሊዮም 800 ሺሕ ዜጋታት ዝኸውን ዕድጊት ይፍፀም ከንዘሎ ተሓቢሩ።

መንግስት በትግራይ ክልል ሠብዓዊ ድጋፍ የሚያስፈልጋቸውን ዜጎች በተመለከተ የሁለተኛ ዙር የዳሰሳ ጥናት እንደሚያካሂድም አክለዋል።

መንግስቲ  ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ደገፍ ንዘድሊዮም ዜጋታት ካልኣይ ዙር ዳህሳስ መፅናዕቲ  ከምዘካየድ እውን ተዛሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment