ኣብ ትግራይ ፖለቲካዊ ውድባት ዘሳትፍ ሃዋህው ከምተፈጥረ ትዴፓ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ዘሳትፍ ፖለቲካዊ ሃዋህው ብምፍጣሩ ንዕቤት ህዝቢ ትግራይ ፅቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ክብሉ ዋና ፀሓፊ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ(ትዴፓ) ኣይተ ጊደና መድሕን ገሊፆም።

ኣይተ ጊደና መድሕን ብፍላይ ንወጋሕታ ጋዜጣ ከምዝገለፅዎ፤ ቕድሚ ሕዚ ህወሓት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሓሳብካ ነፃ ኮይንካ ክትገልፅ ኣይፍቐደልካን ነይሩ።

ቕድሚ ሕዚ ኣብ ትግራይ ዝኾነ ፓርቲ ሓሳብ ሒዙ እንትቐርብ ኳዅቶ፣ ክርዳድ፣ ባንዳ፣ እዛ መሬት ረመፅ ትኹንኩም እናተባህለ ፓርቲታት ቤት ፅህፈት ከፊቶም ስርሖም ከይሰርሑ ብዙሓት ፀገማት ይበፅሖም ነይሩ እዩ።

ኣብ ግዜ ህወሓት ዝነበረ ጨቋኒ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ብናይ ህዝቢ ቃልሲ ተቐይሩ ሕዚ ንኹሉ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ዘሳትፍ ፖለቲካዊ ሃዋህው ብምፍጣሩ ንዕቤት ህዝቢ ትግራይ ፅቡቕ ኣጋጣሚ እዩ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ናይ ህወሓት ዘመን ዝነበረ ናይ ምግላል፣ ምእሳር፣ ምግራፍ ከምኡውን ናይ ምቕታል ምኽንያት ኣይህሉን ክብሉ ውን እውን ሓቢሮም።

ኣብዚ ሰሙን እዙይ ብዋና ስራሕ ፈፃሚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ ዝተመርሐ 5 ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ጠቀምቲ ሓሳባት ከም ዝተላዕሉ፣ ፅቡቕ ናይ ዲሞክራስያዊ ሃዋህው ዝተረኣየሉ መድረኽ ከምዝነበረን ንቕድሚት ውን ከምዙይ ዓይነት ኣኼባ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment