ኣብ ትግራይ ፅርየተን ዝሓለዋ ከተማታት ንክህልዋ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ፅርየተን ዝሓለዋን ምቹዋትን ከተማታት ንክህልዋ ይስራሕ ከምዘሎ ጊዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ብሓምለዋይ ኣሰር ዝወቀባ ፅሩያትን ንናብራ ምቹኣትን ከተማታት ንምፍጣር ልዕሊ 300 ሚሊየን በር ከምዝተሰለዐ ተገሊፁ።

ኣብቲ ክልል መርሃ ግብሪ ፅርየትን ሓምለዋይ ልምዓትን ከተማታት ብመንግስቲ፣ ህዝቢን ሰብ ሃፍቲን ዝተዋደደ ጎስጓስ ምጅማሩ እቲ ምምሕዳር ገሊፁ።

ዳይሬክተር ሓምለዋይ ልምዓትን ፅባቐን ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ኣዳነ ገብረፃድቕ፥ ኣብ 13 ከተማታት ፅርየተን ዝሓለዋን ምቹኣትን  ከተማታት ንክህልዋ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ነዚ ድማ ካብ ወርሒ ግንቦት 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ክራማት ኣብ ወሰና ወሰን መገዲታት ፈልሲ ንምትካል ምድላው ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ካብቲ ዝተሰለዐ ባጀት እቲ 100 ሚሊየን ካብ ሰብ ሃፍቲ ዝተረኸበ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment