ኣብ ትግራይ ጉድኣት ዘጋጠሞም መሰረተ ልምዓታት ማይ ብምፅጋን ናብ ስራሕ ንምእታው ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ጉድኣት ዘጋጠሞም መሰረተ ልምዓታት ማይ ብምፅጋን ናብ ስራሕ ንምእታው ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ኣብ ትግራይ 5 ነጥቢ 4 ሚኒየን ዜጋታት ተረባሕቲ ማይ ንምግባር ብምትሕብባር ይስራሕ ኣሎ።

እቲ ዝተገበረ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ኣብ ከተማ ዓድዋ፣ ኣክሱም፣ ሽረ፣ ሽራሮ፣ ሰለኽለኻ፣ ዓዲ ሃገራይ፣ ዓዲ ዳዕሮ፣ ዓዲ ነብሪኢድ፣ እንዳባጉናን ውቕሮ ማራይ ሓዊሱ ኣብ 76 ከተማታትን ወረዳታትን ኣድላዪ ፅገና ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዜጋታት ዳግም ኣገልግሎት መስተ ማይ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ክሳብ ሐዚ ንፅገና ልዕሊ 60 ሚሊየን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረ በምግላፅ፥ መዳርግቲ ኣካላት እውን ደገፍ ከምዝገበሩ ሓቢሮም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment