ኣብ ትግራይ ዴሞክራሲ ብዘይምህላዉ ኣብቲ ክልል ዘለዋ ሃይማኖታዊ ትካላት ብናፅነት ክውስና ኣይኽእላን – ኣይተ ያሲን ኣሕመድ

ኣብ ትግራይ ዴሞክራሲ ብዘይምህላዉ ኣብቲ ክልል ዘለዋ ሃይማኖታዊ ትካላት ብናፅነት ክውስና ኣይኽእላን – ኣይተ ያሲን ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ዴሞክራሲ ብዘይምህላዉ ኣብቲ ክልል ዘለዋ ሃይማኖታዊ ትካላ ብናፅነት ክውስና ከምዘይኽእላ ፕሬዚዳንት ፐብሊክ ኢንስቲትዩት ኢትዮጵያ ኣይተ ያሲን ኣሕመድ ገሊፆም።

ኣይተ ያሲን ኣሕመድ እዚ ዝበሉ፥ ኣብ ምቁራፅ ርክብ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ምስ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ኢዩ።

ኣብ ትግራይ ዴሞክራሲ ከምዘየለ ዝገለፁ ኣይተ ያሲን፥ “ብምዃኑ ድማ ኣብ ትግራይ ዘለዋ ሃይማኖታዊ ይኹና ዘይሃይማነታዊ ኢንስቲትዩሽናት ናፃ ኮይነን ክውስና ኣይኽእላን” ኢሎም።

እተን ኣብ ትግራይ ዘለዋ ትካላት ሃይማኖት ብህወሓት እናተመሓደራ ዝርከባ ከምዝኾናን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ህወሓትን ከምዝኾናን እውን ኣብሪሆም።

እቲ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ክልተ ዓላማ ከምዘለዎ ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳን ፐብሊክ ኢንስቲትዩት ኢትዮጵያ፥ ቀዳማይ ንህዝቢ ትግራይ ብናይ ሃይማኖት ሽፋን ፅዕንቶ ንምግባር፤ ካልኣይ ድማ ሃይማኖት ከም ፖለቲካ መደራደሪ ካርዲ ብምጥቃም ናብ ድርድር ንምምፃእ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

“ህወሓት ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ስለዝተብሃለ፤ ሃይማኖት ሽፋን ብምግባር ክደራደረሉ ይደሊ ኢዩ” ኢሎም።

ህወሓት ንመንግስቲ ፌዴራል እናመርሐ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንትካላት ሃይማኖት ብምዕፋን ከም መፃወቲ ካርዲ ፖለቲካ ይጥቀመሎም ከምዝነበረ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መራሕቲ ትካላት ሃይማኖት ዘመሓላለፉዎ ውሳነ ሕጋዊ ከምዘይኮነ ዝገለፁ ኣይተ ያሲን፥ እቶም ኣመራርሓታት ብህዝቢ ዝተመረፁ ዘይኮነስ ብህወሓት ዝተመረፁ ከምዝኾኑን ውሳነኦም ውሳነ ህዝቢ ከምዘይኮነን ኣብሪሆም።

“ብህዝቢ ስለዘይተመረፁ ድሌት ህወሓት እምበር ድሌት ህዝቢ ከፈፅሙ ኣይኽእሉን” ኢሎም።

ኣብ ትግራይ ዴሞክራሲ ስለዘየለን ኣብ ፍርሒ ስለዝነብርን ብዛዕባ ዝግበሩ ውሳነታት ክቃወም ከምዘይኽእልን ርኢቶ ክህብ ከምዘይደሊን ኣይተ ያሲን ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ውሳነ ዝርበሖ ነገር ከምዘየለ ዝገለፁ ኣይተ ያሲን ኣሕመድ፥ “እምነት ሓድነት እምበር ናይ ዶብ ሓፁር ዘድልዮ ኣይኮነን” ክብሉ ተዛሪቦም።

እቲ ህዝቢ ካብ ዘለዎ ጭቆናን ፍርሒን ናፃ ክግበር እንተዝኽእል ነቲ ውሳነ ከምዘይቕበሎን ክቃወሞ ከምዘኽእልን እውን ኣብሪሆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment