ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘይተገበአ ወሰኽ ዋጋ ህዝብን መንግስትን ግቡእ ክትትል ክግበሩሎም ይግባእ – ተወለድቲ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዘይሕጋዊያን ነጋዶ ዝገብሩዎ ዘይተገበአ ወሰኽ ዋጋ ህዝብን መንግስትን ግቡእ ክትትል ክግበሩሎም ከምዝግባእ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ገሊፆም።

ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ንልዕሊ ክልተ ዓማውቲ ቀረብ ሸቐጣትን ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ደው ኢሉ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ፡፡
እዚ ምኽንያት ብምግባር ድማ ዘይሕጋዊያን ዝኾኑ ነጋዶ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘይተሓለለ ወሰኽ ዋጋ ብምግባር ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት እንትገብሩ ዝፍለጥ እዩ፡፡

ነዚ ድማ እቶም ነጋዶ ናብ ከምዚ ዓይነት ስራሕቲ ንምእታው ቀንዲ ምኽንያት ድማ ካብ ፀገም ህዝቢ ዘይምርዳእን ስስዐን ከምዝኾነ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ተወለድቲ ትግራይ ተዛሪቦም፡፡

ነዚ ድማ ብህዝብን መንግስትን ግቡእ ዝኾነ ክትትልን ቁፅፅርን የድሊ ኢሎም፡፡
ወሲኾም ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለን ሽረን በረራ ምጅማሩ ከምዘሐጎሶም ድሕሪ ምግላፅ፤ ካልኦት ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላትን ማለት እውን ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ስልክን ኢሉ እውን ባንኪ ወጋገን ኣገልግሎት ብምጅማሩ እውን ሓጎሶም ወሰን ከምዘይብሉ ኣይተ ሓጎስ ጊደይን ኣይተ ሃ/ኪሮስ ረዳኢን ኣረዲኦም፡፡
ብምሕረት ለኣከ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment