ኣብ ትግራይ ዝመፅእ ዘሎ ሰላም ካብ ቱሪዝም ዝርከብ ኣታዊ ክምልሰልና ኢዩ-ነበርቲ ከተማ ኣኽሱም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታህሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ዝመፅእ ዘሎ ሰላም ካብ ቱሪዝም ዝርከብ ኣታዊ ክምልሰልና ኢዩ ክብሉ ነበርቲ ከተማ ኣኽሱም ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ዝነበረ ኲናት ካብ ቱሪዝም ዝረኽብዎ ዝነበሩ ኣታዊ ብምቁራፁ ኣብ ናብረኦም ልዑል ፀገም ከምዝፈጠረሎም እቶም ነበርቲ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

እቶም ርእይቶ ወሃብቲ ኣብ ከተማ ኣክሱም ሓውልቲን እቲ ከባቢን ብምጉብናይ ዝመሓደሩ ውልቀ ሰብ ኢዮም።

ብምኽኒያት እቲ ኲናት ግን እቲ ስራሕ ደው ብምባሉ ቤተሰቦም ንፀገም ከምዝተቓልዑ ይዛረቡ።

ሐዚ ዝመፅእ ዘሎ ሰላም ግን ናይ ቱሩዚም ስርሖም ተመሊሱ ናይ ናብራ ኩነታቶም ከምዝስተኻኸል ተስፋ ከምዘለዎም ተዛሪቦም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብቲ ከተማን ከባቢኡን ብዝገበሮ ትዕዝብቲ ናይቲ ከባቢ ሰላም ይምለስ ከምዘሎ ተዓዚቡ።

ብለይኩን ዓለምን ኣፈወርቅ እያዩን

Comments (0)
Add Comment