ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ኢ)ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋ ትራፊክ ንምንካይን ንህዝቢ ዝውሃብ ኣገልግሎት ንምምሕያሽን ዘኽእል ቴክኖሎጂታት የተኣታትው ከምዘሎ ቢሮ ትራንስፓርትን መራኸብን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።
እቲ ቢሮ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ምስ ፓሊስ ኮሚሽን ብሓባር ብምዃንኣብ መልላእ ክልል ዳህሳስ ኣገልግሎት ትራንስፓርት ከምዘሳለጠ ሓቢሩ።
ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ታደለ መንግስቱ፥ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኲናት ኣብ ኣገልግሎት ትራንስፓርት ዝበፅሐ ጉዱኣት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝተገበረ ፃዕሪ ምስ ጉድላታቱ ዝሐሸ ከምዝኾነ ሓቢሮም ።
ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ትራንስፓርት ሰፋሕቲ ፀገማት ከምዘሎ በቲ ዳህሳስ ከምዝተረጋገፀ ድማ ኣብሪሆም።
እቶም ፀገማት፥ ኣብ መነሃርያታት ፀገም ምውፋር፣ ምስ ትራፊክ ፓሊስ ክሳብ ታሕቲ ተሓባቢርካ ዘይምስራሕ፣ እኹል በጀት ነቲ ሴክተር ዘይምምዳብ ዝብሉ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ቀንዲ መበገሲ ሓዳጋ ትራፊክ ምስ ብቕዓት ኣሽከርከርቲ ዝተትሓሓዘ እዩ ዝበሉ ኣይተ ታደለ፥ እዚ ካብ መሰረቱ ንምፍታሕ ልዑል ቆላሕቲ መሰልጠኒ ማእኸላት ተሽከርከርትን ኣሽከርከርትን ከምዝጠልብ ኣገንዚቦም።
ሰብ ንብረትን መዐደሊ ነዳዲታትን ዋጋ ንምውሳኽ ዓሊሞም ነዳዲ ናብ ደገ እናውፅኡ ይሸጡ ከምዘለዎ ብምግላፅ፥ ኣብ ቁፅፅር ነዳዲ ዝምልከቶም ኣካላት ዝገብርዎ ቁፅፅር ከጣናኽሩ ይግባእ ኢሎም።
ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋ ትራፊክ ንምንካይን ንህዝቢ ዝውሃብ ኣገልግሎት ዝሐሽ ንምግባርን ቴክኖሎጂታት የተኣታትዉ ከምዘሎዉ እውን ገሊፆም።
ኣገልግሎት ትራንስፓርት ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ንምግባር ኢ ቲኬቲንግ ኣብ መነሃርያታት፣ መወሰኒ ፍጥነትን ምግጣም ጂፒ ኤስ ኣብ ተሽከርከትን፣ መርሃ ግብሪ( ምቁፅፃርን ምምዳብን) ተሽከርከቲ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝተኣታትውን መምርሒ ከምዝወፅኣሎምን ኣፍሊጦም።
ካብ 21 ታሕሳስ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ምግጣም መወሰኒ ናህሪን ጂፒኤስን ከምዝተጀመረን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ከምዝዛዘምን ተዛሪቦም።
ፍቓድ ካብ ዝተውሃቦም ኣካላት ወፃኢ ምግጣም ብኣዋጅ ኩልኩል ከምዝኾነ ኣይተ ታደለ ገሊፆም።