“ኣብ ትግራይ ዘርኢ ምጥፋእ ተፈፂሙ” ብዝብል ኢትዮጰያ ንምውንጃል ኣብ ኣሜሪካ ምምሕዳር ባይደን እናረቐቐ ዝነበረ ኣዋጅ ብብሄራዊ ሕጊ መከላኸሊ ፍቓድ እታ ሃገር ተሰሪዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ብምምሕዳር ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን “ኣብ ትግራይ ዘርኢ ምጥፋእ ተፈፂሙ” ብዝብል ኢትዮጰያ ንምውንጃል ንኣዋርሕ እናረቐቐ ዝነበረ ረቂቕ ኣዋጅ  ብብሄራዊ ሕጊ መከላኸሊ ፍቓድ እታ ሃገር ተሰሪዙ።

መመሓየሺ “ኣዋጅ ዘርኢ ምጥፋእ ትግራይ” በቲ ትካል ፌዴራል እታ ሃገር ከምዝተወገደ ቤት ምኽሪ ልምዓት ኢትዮ-ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

እቲ ብናይ ሕሶት ፀብፃብ ከም ሲ ኤን ኤን ዝመሰሉ ትካላት ሚዲያ መሰረት ገይሩ እናረቐቐን ክፀድቕ ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት እናተገበረሉን ዝነበረ መመሓየሺ ኣዋጅ በቲ ትካል ክስረዝ ዝኸኣለ÷ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ብወፍሪ ምንቅስቓስ ሃሽታግ በቃ (#NoMore) ተደጋጋሚ ድፍኢታት ብምግባርን ቀጥታ ንዝውክሉዎም ኣባላት ኮንግረስ ደብዳቤን ኢሜይልን ብምልኣኽ ድፍኢት ብምግባሮም ስዒቡ ኢዩ።

እቲ ቤት ምኽ ካልኦት ናይ ሕሶት ውንጀላታት መሰረት ገይሮም ኢትዮጵያ ንምጉዳእ እናተዳለዉ ዝርከቡ ሕጊታት ክሳብ ዝተርፉ ዝግበር ቃልሲ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment