ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዩ – ምክትል ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ፀገም ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ስለዝኾነ መንግስቶም ኢዱ ናይ ምእታው ዛዕባ ከምዘይድግፍ ምክትል ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ገሊፆም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ነቢል ማህዲ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንትን መተሓባበሪ ዘፈር ኣገልግሎት ክላስተር ደቡብ ሱዳን ሑሴን ኣብዱል ባጊ ኣኮል ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኢትዮጵያን ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣድሂቦም ዘቲዮም።

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ፅንኩር መሰረት ዝተሃነፀ ምዃኑ ብምዝኽኻር እዚ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ኣብ ጭቡጥ ሓበራዊ ፕሮጀክት ልምዓት ክድገፍ ከምዝግበኦ ኣምባሳደር ነቢል ገሊፆም።

ብመንፅ እዚ እተን ሃገራት ኣብ መሰረተ ልምዓት መገዲን ሓይሊ ኤሌክትሪነ,ክን ንምትእስሳር ዝተጀመረ ፃዕሪ ምዕዋት ግቡእ ኢዩ ኢሎም።

እቶም ኣምባሰደር ኣብ ከይዲ ድርድር ግድብ ህዳሰ፣ እዋናዊ ኩነታት ትግራይን ሓምለዋይ ኣሰርን ዝምልከት መብርሂ ነቶም ምክትል ፕሬዚዳንት ሂቦምዎም።

ምክትል ፕሬዚዳንት ሑሴን ኣብዱል ባጊ ኣኮል ብግደኦም፥ ኢትዮጵያውያን ንናፅነት ደቡብ ሱዳን ምስ ደቡብ ሱዳናውያን ብምስላፍ ክሳብ ህይወት መስዋእትነት ዝኸፈሉሉ ከምዝኾነ ብምግላፅ እቲ ርክብ ዝለዓለ ምትእስሳር ረብሓ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር እተን ሃገራት ኣብ መሰረተ ልምዓት ምትእስሳር ግዘ ክወሃቦ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ስለዝኾነ፥ መንግስቶም ኢድ ንምእታው ዝግበር ዛዕባ ከምዘይድግፍ እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት ምግላፆ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment