ኣብ ትግራይ ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ እናዛብዑ ዘቕርቡ ገፅታ ኢትዮጵያ ንምብልሻው ናይ ዝደሊዩ ኣካላት ከንቱ ባህጊ ኢዩ-ቀዋሚ መልእኽተኛ ፌዴሪኢ ኣብ ውሕመ ጄኔቫ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ እናዛብዑ ዘቕርቡ ገፅታ ኢትዮጵያ ንምብልሻው ዝደሊዩ ኣካላት ከንቱ ባህጊ ከምዝኾነ ቀዋሚ መልእኽተኛ ፌዴሪኢ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ጄኔቫ ኣፍሊጡ።

በቲ ጉዳይ ሚዲያን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ብሓሶት ፕሮፓጋንዳ ምጥላፉ ኣተሓሳሳቢ ከምዝኾነ እቲ መልእኽተኛ ገሊፁ።

ዋሺንግተን ፖስት ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ዘውፅኦ ሕታም፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ ወርሒ ሕዳር ክሳብ ጥሪ ጥራሕ ካብ 3 ሺሕ ንላዕሊ ናይ ሓሶት መረዳእታታት ዝውዘዐሉ ሓደሽቲ ኣካውቲታት ትዊተር ከምዝተኸቱ ገሊፁ ኢዩ።

ቀንዲ ስራሕ እቶም ኣካውትታት ንሓፂር ጊዘ ስም ናይ ምጥፋእ ጥራሕ ተባሂሎም ዝተኸፈቱ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሁ።

ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝግበር ስም ናይ ምጥፋእ ወፍሪ ወፃእ፥ ክልል ትግራይ ናብ ሰለማዊ ዕለታዊ ምንቅስቓስ ይኣቲ ከምዘሎ እቲ ቀዋሚ መልእኽተኛ ገሊፁ ኢዩ።

ጉድኣት ዝበፅሖም መሰረተ ልምዓታት ተፀጊኖም ኣገልግሎት ምሃብ ምጅማሮም፣ ደገፍ ንዝደሊዩ ወገናት ብምውዳድ ደገፍ ናይ ምቕራብ ስራሕ ይስራሕ ከ|ምዘሎን መንግስቲ እውን እቲ ክልል መሊስካ ናይ ምህናፅ ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣዘኻኺሩ።

ገበን ዝፈፀሙ ኣካላት ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ እውን ኣብቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ጉጅለ ጁንታ ህወሓት መጥቃዕቲ ብምፍፃም ንመንግስቲ ኣገዲዱ ናብ ምኽባር ሕጊ ከምዘእተዎ፣ እቲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እውን ከምዝተዛዘመን ደላዪ ሰላም ዝኾነ ህዝቢ እቲ ክልል ነቲ ጉጅለ ከምዘግለሎን ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment