ኣብ ትግራይ ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅ ኣብ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ጠመተ ሂብካ ክስራሕ ይግባእ- ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅ ኣብ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ጠመተ ሂብካ ክስራሕ ይግባእ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ኣይተ ጌታቸው ነዚ ዝበሉ፥ ኣመራርሓ መንግስቲን ሕብረተሰብን ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ መንበረቅዱሳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ምንባር ሓምለዋይ ኣሰር ተረኺቦም ኢዮም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ሃፍቲ ተፈጥሮ እቲ ክልል ዝበፀሐ ብረሰት መሊስካ ንምሕዋይን ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅን ኣብ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ጠመተ ሂብካ ክስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር  ክልል ትግራይ ኢያሱ ኣብርሃ(ዶክተር ) ብግደኦም፥ ኣብ ትግራይ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ይሳለጥ ከምዝፀነሐን ሐዚ እውን ኣብ ዝተመረፃ 15 ወረዳታትን 4 ዞባታትን ይሳለጥ ከምዘሎን ገሊፆም።

ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ቀዳምነት ዝወሃቦ ዋኒን ከምዝኾነ እውን ኣገንዝቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment