ኣብ ትግራይ ዕስለ ኣምበጣ ንምምካት ዘኽእል ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መላእ ትግራይ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ንምምካት ዘኽእል ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ከም ዝተጀመረ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ቢሮ  ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ርክብ ህዝቢ ኣይተ ሚኪኤለ ምሩፅ ከም ዝሓበርዎ፥ እቲ ዕስለ ኣንበጣ ካብ 11 ነሓሰ 2012 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ዞባ ደቡብ፣ ደቡብ ምብራቕን ወረዳታት ወጀራትን ራያ ዓዘቦን ብስፍሓት ተራእዩ እዩ።

ነዚ ንምፅናዕ ድማ ጉጅለታት ቴክኒክን ዳህሳስን ኣጣይሹ ምንቅስቓስ እናገበረ ከም ዝመፀ ገሊፆም።

ብፅሒት ስራሐ ጉጅለ ዳህሳስ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዕስለ ኣምበጣ ተራኣዩለን ኣብ ዝነበራ ከባቢታት እንቋቑሖ ከይህሊ ምድህሳስ እንትኾን፥ ጉጅለ ቴክኒክ ድማ ንመኸተ እቲ ዕስለ ኣምበጣ ዝውዕል ቐረብ ዘፅንዕ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ዕስለ ኣምበጣ ኣጋጢሙ ምንባሩ ዝገለፁ ኣይተ ሚኪኤለ፥ እዋኑ ዘራእቲ ዝበፅሐሉ፣ ብቐሊሉ ዘይጥቃዕን ስለዝነበረን ሕብረሰብ ንጡፍ ተሳትፎ ስለዝገበረን እቲ ዕስለ ጉድኣት እንተየብፀሐ ብቐሊሉ ክስጎግ ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ዓመት ኣጋጢሙ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ግና ዘራእቲ ኣብ ምብፃሕ ስለዘሎ ከም ክልል ዝተወደደ ምንቅስቓስ ዞባታት ክህሊ ትሽዓተ መኻይን ከምዝተዋፈራ ገሊፆም።

ዝተፈላለዩ ኬሚካላት፣ መሳርሕታት መንፀጊ ኬሚካልን ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያን ተዳልዮም ከም ዘለው ዝሓበሩ አይተ ሚኪኤለ፥ ሕብረተሰብ ከምቲ ልሙድ እቲ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ዝሓደረሉ ከባብታት ብምክትታል ደገፍ ክገብር ኣተሓሳሲቦም።

ፍልፍል፦ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment