ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ 2017 ዓ.ም ምሃብ ተጀሚሩ።
ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተወካሊ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ምዘናን ፈተናን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣረጋዊ ዘፈሩ (ዶ/ር)÷ ትምህርቶም ብዝተሳለጠ ፕሮግራም ትምህርቲ እናተኸታተሉ ዝፀንሑ 26 ሺሕን 156 ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ፈተና እናወሰዱ ይርከቡ።
ካብ ሞንጎ ተፈተንቲ 50 ሚኢታዊ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና እውን እቶም ተወካሊ ገሊፆም።
ውፅኢት ፈተና እቶም ተፈተንቲ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ከምዝግለፅ ብምሕባር÷ ናብ ታሽዓይ ክፍሊ መሕለፊ ውፅኢት ዘምፅኡ ተምሃሮ ብቐጥታ 9ይ ክፍሊ ትምህርቶም ከምዝከታተሉ ተዛሪቦም።
እቲ ፈተና ኣብ 52 ወረዳታት ኣብ ዝርከባ 451 ኣብያተ ትምህርቲ ኢዩ እናተውሃበ ዝርከብ።