ኣብ ትግራይ ካብ 2 ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ክልተ ዙር ክዋሃብ ዝፀንሐ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ካብ 2 ሓምለ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ክልተ ዙር ክዋሃብ ዝፀንሐ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ሎሚ 12 ሓምለ ረፋድ ብሰላም ከመዝተዛዘመ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ  ኪሮስ ጉዕሽ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ሓላፊ ኣብ ማሕበራዊ  ሚዲያ ፌስ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ካብዚ ሰዓት ጀሚሩ ተምሃሮ ነናብ ገዝኦም ናይ ምስናይ ስራሕቲ ክስራሕ እዩ ኢሎም።

እቲ ፈተና ብሰላም ንከዛዘም ልዑል ተራ ንዝነበረኩም፥ ዩንቨርስታት፣ ኤጄንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ፣ ቢሮ ትምህርቲ፣ ፌደራል ፖሊስ፣ ፖሊስ ኮምሽን ትግራይ፣ ቢሮ ትራንስፖርት ትግራይ፣ ቢሮ ፋይናንስ ትግራይ፣ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናን ትምህርቲ፣ ኢትዮ ቴለኮም፣ ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ አመስጊኖም።

ብተወሳኺካብ ዝተፈላለያ ክልላት ዝመፅኡ ሓለፍቲ ፈተና ጣብያ፣ መተሓሓበቲ፣ ሱፐርቫይዘራትን ፈተንትን ብሙሉኦም ዘጋጠሙ ፀገማት ብውሕሉል መገዲ እንዳኣለኹም እዚ ፈተና ብሰላም ክዛዘም ስለዝገበርኩም ብሹም ማሕበረሰብ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ልዑል ምስጋና አቕርብ ክብሉ ገሊፆም።

ተፈተንትቲ ተምሃሮ እውን ንዝነበሮም እወንታዊ ኣስተዋፀኦ ብምምስጋን፥ ብሰላም ናብ ገዘኦም ንክምለሱን ፅቡቅ ውፅኢት ንክመፀሎምን ሰናይ ትምኒቶም ኣመሓላሊፎም።

Comments (0)
Add Comment