ኣብ ትግራይ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኩሉ ሕብረተሰብ መሸፊኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብምግባር ክንቀሳቐስ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕብረተሰብ ምእሳርን ምቕፃዕን መፍትሒ ከም ዘይኾነ ተረዲኡ እቲ ዝወፀ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ምክልኻል ቫይረስ ኮረና ኣኽቢሩ ክኸይድ ከም ዝግባእ ንኡስ ኮሚቴ ፀጥታ ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ኣይተ ተኪኡ ምትኩ ኣብ ዙርያ ምክልኻል ቫይረስኮረና ኣመልኪቶም ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኢዩ ነዚ ዝበሉ።

ዝበዝሐ ሕብረተሰብ ነቲ ዝወፀ ሕጊ ዘኽብር እኳ እንትኾነ ኣብ ድግሳት፣ እንዳ ሳዕስዒት፣ ቤት እምነታትን ቀብርን ግና ሰፊሕ ክፍተት ከምዘሎ እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

ሕድሕድ ሰብ ነቲ ዝወፀ ኣዋጅ ኣኽቢሩ ኣብ ምክልኻል እቲ ቫይረስ ዓብይ ግደ ክፃወት ከምዝግባእ ድማ ኣረዲኦም።

ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ኮረና ብቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝወፀ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ምኽልኻል ቫይረስኮረና ሕብረተሰብ ቅድም ክብል እናተግበረ እኳ እንተነበረ፥ ኣብዚ እዋን ግና ዝርገሐ እቲ ለበዳ እናዛየደ፣ ብኣንፃሩ ሕ/ሰብ ነቶም ዝወፁ ሕጊታት ኣብ ምኽባር ሸለልትነት የርኢ ከምዝሎ ኣይተ ተኪኡ ሓቢሮም።

እቲ ግብረ ሓይሊ ነቶም ኣብ ሕብረተሰብ ዝተርኣዩ ጉድለታት ንምፍታሕ 2 ሓምለ 2012 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ተወሰኽቲ በዓል ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ኣዋጅ ኣፅዲቑ እዩ።

እቲ ኣዋጅ ካብ ዕለት 12 ሓምለ ተግባራዊ ዝኾነ እንትኾን፥ ካብ 18 ሓምለ 2012 ዓ/ም ጀሚሩ ድማ ኩሉ ሕብረተሰብ መሸፊኒ ኣፍን ኣፍንጫን ገይሩ ክንቀሳቐስ ጥብቕ ዝበለ ኽትትል ከም ዝግበር እቶም ሓላፊ ኣፍሊጦም።

ተግባራዊነት እቲ ኣዋጅ ንኣካላት ፀጥታ ጥራሕ ዝግደፍ ዘይኮነስ ግደ ኩሉ ሕብረተሰብ ምዃኑ ብምርዳእ ምስራሕ የድሊ እውን ኢሎም።

ፍልፍል፦ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment