ኣብ ትግራይ እንህቦ ኣገልግሎት ብዝተማልአ መገዲ ንምጅማር ይስራሕ ኣሎ- ዶ/ር ሙሉ ነጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ትግራይ እንህቦም ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ብዝተማልአ መገዲ ንምጅማር ዘኽእሉ ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ ክብሉ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ ኣፍሊጦም።

ዶክተር ሙሉ መስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ዝሓለፉ 100 መዓልታት አንታይ ይመስል ከምዝነበረ ይግምገም ኣሎ ኢሎም።

ኣብቶም መዓልታት ዘጋጠሙ ፀገማት እውን ከምዝተለለዩ ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ መክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኣታኽልቲ ሃይለስላሰ ካብ ሓላፍነቶም ምልዓል ጀሚሩ ውፅኢት እቲ ገምጋም መሰረት ዝገበረ ስራሕቲ ምደባን ምምሕያሽን ይስርሑ ከምዘለዉ ገሊፆም።

4 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዜጋታት ብኣቕርቦት ሓገዝ ተበፃሕቲ ከምዝገበረ ዝሓበሩ ዶክተር ሙሉ፥ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ውሱናት ከባቢታት ምስ ፍትሓዊ ምክፍፋል እቲ ሓገዝ ብዝተተሓሓዘ ከፍተታት ከምዘለዉ ከምዝተገምገመ ኣረዲኦም።

ከይዲ ቀዳማይ ዙር ሓገዝ ምዝዛሙ ብምግላፅ፥ ካልኣይ ዙር ሰብኣዊ ሓገዝ ንምጅማር ዘኽአል ትኽክለኛ መረዳእታ ይተሓዝ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ቁፅሪ ተመዛበልቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 1 ሚሊየን ብምዃኑ ኣብ ከተማ መቐለን ሽረን መዓስከር ስደተኛታት ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ዝተበተነ ሓይሊ ከምዘሎ ብምሕባር፥ ዕጡቓት ዘይኮኑ ኣብ መሓውር መንግስቲ ከምዘለዉ እውን ተዛሪቦም።

እቶም ኣብ መሓዉር መንግስቲ ዘለዉ ሓይሊታት ህዝቢ ናብ ሰለማዊ ምንቅስቓስ ንከይምለስ ናይ ሓሶት ዜናታት ከምዝውዝዑ ሓቢሮም።

ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ መንግስቲ መሃያ ከምዝኸፈለ ሓቢሮም፥ ኣገልግሎት መንግስቲ ግን በቲ ዝድለ ከምዘይተጀመረ ኣረዲኦም።

ስለዝኾነ ኣብ ውሽጢ መሓዉር መንግስቲ ብምዃን ፀገም ንዝፈጥሩ ኣካላት መንግስቲ ትዕግስቲ ኣይህልዎን ኢሎም።

ኣገልግሎት እንተዘይተጀሚሩ ዝወሃብ መሃያ ኣይህሉን፤ ኣብ ቀረባ ድማ ናይ መስተኻከሊ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment