ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ካብ 28 ክሳብ 30 ሰነ 2015 ዓ.ም እናተውሃበ ዝፀንሐ ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ከምዝተዛዘመ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ሓላፊ እቲ ቢሮ ኪሮስ ጉዕሽ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲኦም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት እናተውሃበ ዝፀንሐ ክልላዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ተዛዚሙ።
እቶም ሓላፊ÷ ከይዲ እቲ ፈተና ብዕዉት መልክዑ ንኽዛዘም እወንታዊ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ መምህራን፣ ኣብ ኩሉ ብርኪ መሪሕነት ዝርከቡ ኣመራርሓታት ትምህርቲ፣ መሓውር ፀጥታ፣ ወለድን ተምሃሮን ምስጋና ኣቕሪቦም።
እቲ ፈተና ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣብ ዝነበራ 75 ወረዳታትን 1 ሺሕን 7 ኣብያተ ትምህርትን ኢዩ ክወሃብ ፀኒሑ።
ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ናብ ፈተና ዘይቀረቡ ተምሃሮ ድማ ኣብ 2016 ዓ.ም ከምዝፍተኑ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ሓፈሻዊ ፅሬት ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምግላፁ ይዝከር።
#Mekele
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com