ኣብ ትግራይ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት መሊስካ ናብ ስራሕ ንምእታው ዘኽእል መፅናዕቲ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መንጎ መንገስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ኣብ ትግራይ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት መሊስካ ናብ ስራሕ ንምእታው ዘኽእል መፅናዕቲ ይካየድ ከምዘሎ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ሚኒስቴር ኣበባ ታመነ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልኡ፥ ኣብ ትግራይ ብምኽኒያት ዘጋጠመ ጎንፂ ጉድኣት ኣጋጢሙዎም ስርሖም ደው ዘበሉ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ብህፁፅ ናብ ስራሕ ንምእታው ብምውዳድ ይስራሕ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ብሓለፍቲ ስራሕ እቲ ሚኒስቴር ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ተግራይ ብምኻድ እቶም ጉድኣት ዘጋጠሞም ትካላት ቀዳማይ ዙር መፅናዕቲ የካየድ ከምዘሎ ተዛሪበን።

እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ክሳብ ሐዚ ኣብ ዘሎ ፃንሒቶም፥ ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ፣ ሼባ ሌዘር ኢንዱስትሪ፣ ፋብሪካ  እምነ በረድ ሰማያታን ካልኦት ትካላትን ተዘዋዊሮም ክምዝተዓዘቡ ሓቢረን።

ኣብቲ መፅናዕቲ፥ መጠን ጉድኣት፣ ሐዚ ዘለውሉ ኩናታት፣ መሊስካ ናብ ስራሕ ንምእታው ዘድሊ እታዎት ወዘተ ናይ ምልላይ ስራሕቲ ከስራሕ ኢዩ ኢለን።

ብተወሳኺ እቶም ትካላት ናብ ስራሕ ዝኣትውሉ ኩነታት ብዝምልከት ምስ ሰብ ሃፍቲ፣ ሓለፍቲ ፓርክን መዳርግቲ ኣካላትን ልዝብ ይግበር ከምዘሎ ገሊፀን።

ብመላኩ ገድፍ

Comments (0)
Add Comment