ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝህሊ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ መፈልፈሊ ሓይሊ ግድብ ተከዘ ዝኣቲ ማይ ኣብ ከይዲ ምትንፋስ ዘለዉ ዩኒታት እቲ ጣቢያ ስራሕ ደው ብምባሎም ምኽኒያት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት  ክልል ትግራይ ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝህሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ካብቲ ግድብ ማይ እንትስደድ ዝፍጠር ናይ ሃፋ “ጭጋግ” ኣብ ትራንስፎርሜሽንን መፈልፈሊ ሓይሊን ጉድኣት ንከየብፅሕ ክልቲኦም ዩኒታት ስረሖም ደው ከብሉ ከምዝተገበረ እውን ገሊፁ።

ብምኽኒያት እዚ፥ ምልሕላሕ “ቮልቴጅ” ብምግጣሙ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ትግራይ ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌከትሪክ ከጋጥም ኢዩ ኢሉ።

ዝናብ ክራማትን ናብቲ ግድብ ዝኣቲ መጠን ማይን ክሳብ ዝቕንስ እቲ ፀገም ንመዓልታት ከምዝቕፅል ኣብሪሁ።

ስለዝኾነ ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌከትሪክ ብትዕግስቲ ንክፅበዩን ኣማራፂታት ንክጥቀሙን ምግላፁ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብላዕሊን ታሕቲን ተፋሰስ እቲ ግድብ ዘለዉ ከባቢታት ጣንቋ፣ ኣበርገለ፣ ቆላ ተንቤን፣ ላዕላይን ታሕታይን ማይጨው፣ መረብለኸ፣ ኣስገደ ፅንብለ፣ ላዕላይን ታሕታይ ኣዲያቦ፣ መደባይ ዛና፣ ታሕታይ ቆራሮ ብሓፈሻ ኣብ ኣዋሰንቲ ሩባ ተከዘ ዘለዉ ወረዳታት ዝነብሩ ነበርቲን ኣካላት ምምሕዳርን ኣድሎዪ ጥንቃቐ ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment