ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቢሮ ኢንዳስትሪ ግዚያዊ ምምሕዳርን ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራትን ክልል ትግራይ ሓቢሮም ንክሰርሑ ዘኽእል ሓበራዊ ትልሚ 2017 ዓ/ም ከቲሞም።
ከልቲኦም ትካላት ነንባዕሎም ተደጋጊፎም መፍረይቲ ዘጋጥምዎም ፀገማት ብምፍታሕ ዕብየት ማኒፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ እቲ ክልል ንክረጋገፅ ዝገብር ሓበራዊ ትልሚ ኢዮም ኣፅዲቖም።
ኣብ ኩሎም መሓውራቶም ሓቢሮም ንክሰርሑ ዝገብር ሰነድ ስምምዕነት ከም ዝተፈራረሙ ድማ ኣብ ኮሙዩኒኬተር ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዚ ሰነድ ስምምዕነት ኣብ ኩሎም መሓውራት ማኒፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ፣ ዘፈር ማሕበራት፣ ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ዝወሃቡ ደገፋት ህንፀትን ልምዓትን ማኒፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ብዘዕቢ መልክዑ ናይ መፍረያይነትን ተወዳዳራይነትን ዓቕሚ ንክዓቢ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ክልቲኦም ተፈራረምቲ ዝተፈላለየ ልኡኽ ዋላ እንተሃለዎም ንሓደ ዕላማ ደው ዝበሉ ብምዃኖም በቢግዚኡ ንፁር ትልሚ ብምድላው ተዋዲድካን ተሰጣጢምካን ንምስራሕን ንምምራሕን ዘኽእል ሰነድ ምዃኑ እውን ኣብቲ እዋን ግልፂ ኮይኑ እዩ።