ኣብ ትግራይ ኣብ ዘለዋ ኣናእሽቱ ከተማታት ኣማራፂ ኢነርጂ ንምስፍሕፋሕ ዝዓለመ ምንቅስቓስ ይካይድ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣብ ትግራይ ኣብ ዘለዋ ኣናእሽቱ ከተማታት ኣማራፂ ኢነርጂ ንምስፍሕፋሕ ዝዓለመ ምንቅስቓስ ይካይድ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዘለዋ  ኣናእሽቱ ከተማታት ወረዳ ኣማራፂ ኢነርጂ ንምስፍሕፋሕ ዝዓለመ ምንቅስቓስ ይካይድ ከምዘሎ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ገሊፁ።

ዳይሬክቶሬት ልምዓት ኢነርጂ እቲ ቢሮ፥ ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ንመናእሰይን ገባራትን ናይ ባዮ ማስ ቆጠብቲ እቶናትን ናይ ሶላር ቴክኖሎጂታትን ንምትእትታው ዝዓለመ ናይ ምልላይ ስራሕቲ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ኣካል  ኣብ ገጠር ወረዳታት ኣብ ዘለዋ ከተማታት ኣማራፂ ኢነርጂ ንምስፍሕፋሕ ዝዓለመ መድረኽ ምልላይ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ዉሕስንኦም ዝተረጋገፀ፣ ወፃእን ሓይልን ቆጠብቲ ብልቓሕ ኣማራፂ ኢነርጂ ንምስፍሕፋሕ ናይ ምልላይ፣ ምሻጥን ምዝገባን ስራሕቲ ይሳለጥ ምህላዉ ካብቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment