ኣብ ትግራይ ኣብ እዋን ሃይማኖታዊ በዓላት ንዝፍፀም ሕርዲ እንስሳ ዝኸውን መተግበሪ ትልሚ ዕላዊ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንኡስ ግብረ ሓይሊ ቁጠባ ህፁፅ ኣዋጅ ትግራይ ኣብ እዋን ሃይማኖታዊ በዓላት ንዝፍፀም ሕርዲ እንስሳ ዝኸውን መተግበሪ ትልሚ ዕላዊ ገይሩ።

ብመሰረት እዚ፦

  1. ጉዚ ስጋ (ቤት ሕርድታት ኣብ ዘይብሉ ኩነታት)

ሀ/ ጉዚ ስጋ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ንሓደ ብዕራይ ኣርባዕተ ሰባት ጥራሕ ከውድቕዎ፣ ክገፍዎን ክጉዝይዎን፣

ለ/ እቶም ሓረድቲ ኢዶም ብኣግባቡ ክሕፀቡ፣ ርሕቐቶም ብዝተኽኣለ መጠን ክሕልዉን፣ ኣፎምን ኣፍንጭኦምን ብመሸፈኒ ጨርቂ ክሽፍኑን፣

ሐ/ ረስንን ደረቕ ሰዓልን ዘለዎም ሰባት ናብ ስጋ ቅርምት ክኸዱ የብሎምን፣

2. ኣብ ከተማ ዝፍፀም ሕርዲ

ሀ/ ተጠቀምቲ/ማሕበረሰብ ንማሕረዲ ጤለበጊዕ ኣብ ከተማታት ዘለዋ ቤት ሕርዲ (ቄራ) ክጥቀሙ ወይድማ ባዕሎም ክሓርዱ ወይ ንሓራዲ ዝኸውን እኹል መከላኸሊ ከቕርቡ፣

ለ/ ማሕረዲ ከፍቲ ዝምልከት ማሕበረሰብን እንዳስጋን (ልኳንዳ) ኣብ ከተማታት ዘለዋ ቄራታት ክጥቀማ፣

ንኣብነት ኣበርገለ ዓለም ለኻዊ መሕረዲ ስጋ ከፍቲ ኣብ ከተማ መቐለ ንዝርከባ ሉካንዳታትን ሆቴላትን ከከፋፍል ምግባር፣

ሐ/ ግድን ኣብ ገዛ ዝሕረድ እንተኾይኑ እቶም ሓረድቲ ኢዶም ብኣግባቡ ብሳሙና ክሕፀቡ፣ ኣፎምን ኣፍንጭኦምን ብመሸፈኒ ጨርቂ ክሽፈኑን ይግባእ፤ ረስንን ደረቕ ስዓልን ዘለዎም ሰባት ፍፁም ክሓርዱ የብሎምን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment