ኣብ ትግራይ ኣብ ሸቐጣትን ናውቲ ሕክምናን ወሰኽ ዋጋ እንተጋጥም ሓበሬታ ንምሃብ ዘኽእሉ ቁፅሪታት ስልኪ ዕላዊ ተገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኢትዮጵያ ምርኣዩ ስዒቡ ኣብ ሸቀጣትን ናውቲ ሕክምናን ወሰኽ ዝገበሩ  ነጋዶ ከምዝተረኸቡ ቢሮ ንግድን ኢንዳስትርን ክልል ትግራይ  ገሊፁ።

ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ኣብ ሸቐጣትን ናውቲ ሕክምናን ወሰኽ ዋጋ እንተጋጥም ሓበሬታ ንምሃብ ዘኽእልዎ ቁፅሪታት ስልኪ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

ከም ኣገላልፃ እቲ ቢሮ፥ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ቸርቸርቲ ነጋዶ ንሰብ ውልቀ ሃፍቲ ብበዝሒ እንትሸጡን ኣብ ሸቐጣትን ናውቲ ሕክምናን ወሰኽ ዋጋ ክገብሩን እንተተዓዚቡ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ቁፅርታት ስልኪ ተጠቒሙ ሓበሬታ ክህብ ኣለዎ።

ብመሰረት እዚ፦

  • 03 42 40 04 14
  • 03 44 40 80 78
  • 03 42 40 59 65
  • 03 42 40 04 18 ዝብሉ ቁፅሪታት ስሩዕ ስልኪ ብምጥቃም ሓበሬታ ንዝምልከቶ ኣካል ክወሃብ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment