ኣብ ትግራይ ን20 መዓልቲ ዝፀንሕ ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ብብርኪ ክልል ን20 መዓልቲ ዝፀንሕ ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ተጀሚሩ ዘሎ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን፥ “ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንዘላቒ ቁጠባዊ ውሕስናና!” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣብ ዝተጀመረ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን፥ ላዕለዎት ኣካላት ኣመራርሓ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልልን ዞባን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ጣብያ ቂሐን ብዕሊ ተጀሚሩ።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ እያሱ ኣብርሃ(ዶ/ር)፥ ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ተቋሪፁ ከምዝፀንሐ ኣብሪሆም።

እቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን፥ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ጠሊ ካብ ዝናብ ኣኸዛ ንምዕቃብን በዚ ኣቢልካ ቀልጢፎም ዝባፅሑ ዘርኢ ንምዝራእን ልምዓት መስኖ ንምቕፃልን ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ሕፅረት ቀለብን ማይን እንስሳ ኣብ ምፍታሕ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ካብዚ ሓሊፉ ብሰንኪ ኵናት ዝተሃስየ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዳግማይ ሕውየት ብምክያድ ድርቂ ዝፃወር ሕርሻ ንምፍጣር ሓጋዚ ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ ወፍሪ ኣስታት 780 ሺሕ ህዝቢ ብምስታፍ፥ ልዕሊ 53 ሺሕ ሄክታር መሬት ዕቀባ ሓመድን ማይን ከምዝካየደሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment