ኣብ ትግራይ ን 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሰባት ሓገዝ ንምሃብ ዘኽእል ቅድመ ምድላው ከምእተገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ጥሪ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ን 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሰባት ሓገዝ ንምሃብ ዘኽእል ቅድመ ምድላው ከምእተገበረ ተገሊፁ ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሓደጋን ድልውነትን ገሊፁ።

ኮሚሽነር ምትኩ ካሳ፥ ኣብቲ ክልል ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ቅድሚ ምጅማሩ 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ሰባት ሓገዝ ይግበረሎም ከምዝነበረን እቲ ደገፍ እውን ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዞኘ ለሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።

ካብዚኦም እቶም 1 ነጥቢ 1 ሚኢየን ተረባሕቲ ሰፍቲኔት እንትኾኑ 600 ሺሕ ድማ ዕለታዊ ሓገዝ ይግበሮም ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እቶም 110 ሺሕ ድማ ቅድም ክብል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገር ኣጋጢሙ ብዝነበረ ጎንፂ ተመዛቢሎም ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ብዝተገበረ ምኽባር ሕጊ ክሕገዙ ዝኽእሉ ተወሰኽቲ ሰባት ንምፍላይ መንግስትን ዝተፈላዩ ዓለም ለኻወ ትካላትን ብሓባር ብምዃን ኣብ ዞባ ደቡብ፣ ማእኸላይን ምብራቕን ዳህሳስ መፅናዕቲ ከምዘካየዱ ተገሊፁ።

ክሳብ ሐዚ ኣብ ክልተ ከባቢታት ብዝተዛዘመ መፅናዕቲ ቁፅሪ ተጎዳእቲ 700 ሺሕ ክበፅሕ ከምዝኽእል ብምግማት ኣድላዪ ደገፍ ንምግባር ተዳሊና ኢና ኢሎም።

እዚ ቁፅሪ ቅድመ ሐዚ ኣብቲ ክልል ምስ ዝነበሩ 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ብምድማር 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሰባት ደገፍ ንምቕራብ ምድላዋት ክምዝተገበረ ገሊፆም።
ነቲ ክልል ደገፍ ንምግባር ዘኽእል 311 ሺሕን 526 ኩንታል እኽኢ ኣበ መኽዝናት መንግስቲን መሻርኽቲ ኣካላትን ከምዘለ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ 60 ሺሕ ኩንታል ሕሩጭ፣ 1 ነጥቢ 7 ሚሊየን ሊትር ዘይቲ ብልዒን 173 ሺሕን 200 ኩንታል ስንዳይን  ናብ መቐለ ይጎዓዓዝ ከምዘሎ ገሊፆም።

እቶም ደገፋት አብቲ ክልል ናብ ዝተጣየሹ 92 ማእኸላት መከፋፈልቲ ምግቢ ብምእታው ንተጎዳእቲ ብእቡእ ክከፋፈሉ ኢዮም ኢሎም።

ኣብቲ ክልል ፍሉይ ሓገዝ ንዝደሊዩ ህፃናት፣ ኣረጋዊያን፣ ኣካል ጉዱኣትን ሕሙማትን ነፈርቲ ብምጥቃም ህፁፅ ሓገዝ ይቐርብ ኣሎ ኢዩ ኢሎም።እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment