ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ 25 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ደገፍ ምግቢ ይቐርብ ኣሎ-ፕሮግራም ምግቢ ዓለም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ትግራይ ኣብ ዘለዉ መዐስከራት ንዝርከቡ 25 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ደገፍ ምግቢ ይቐርብ ኣሎ ክብል ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።

እቲ ብፕሮግራም ምግቢ፣ ኤጀንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ኤጀንሲ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስቲን ኢትዮጵያ ዝቐርብ ዘሎ ምግቢ ንሓደ ወርሒ ዝኸውን ኢዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት እዚ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ ማይ ዓይኒ ንዝርከቡ 13 ሺሕ ተመዛበልቲ ኤርትራውያን ብ18 መካይን ፅዕነት 250 ሜትሪክ ቶን ምግቢ ተንከፍ ቀሪቡ ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዓዲ ሓሪሽ ንዘለዉ 12 ሺሕን 170 ኤርትራውያን ድማ  240 ሜትሪክ ቶን ደገፍ ምግቢ ይዕደሎም ከምዘሎ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment