ኣብ ትግራይ ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ዝውዕል ልዕሊ ብር 4 ነጥቢ 1 ሚልየን ተበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተላባዲ ሕማም ቫይረስኮሮና ንምክልኻል መንግስቲ ትግራይ ብመሰረት ዘቕረቦ ፃውዒት ሓገዝ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ልዕሊ ብር 4 ነጥቢ 1 ሚልየን ተበርኪቱ።

ነዚ ሓገዝ ዘበርከቱ ወናኒ ኮንስትራክሽን ተኽለብርሃን እምባዬ ኣይተ ተኽለብርሃን እምባዬ ብር 1 ነጥቢ 5 ሚልየን፣ ወናኒ ህንፃ ሰላም ኣይተ ረዳኢ ገብረ ብር 1 ሚልየን፣ ኩባንያ ኢንሹራንስ ኣምበሳ ብር 1 ሚልየን፣ ጉምሳ ትሬዲንግ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ብር 500 ሚኢቲ ሽሕ፣ ወናኒ ኣዳራሽ ዕዳጋ መገናኛ ኣይተ ፀጋይ ገ/ፃድቕ ብር 100 ሽሕ ለጊሶም።

ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ሓላፊ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ኣይተ ዳንኤል ኣሰፋ፥ እቶም ሰብ ሃፍቲ ንዝገብርዎ ደገፍ ገንዘብ ምስጋና ብምቕራብ ካልኦት እውን ኣሰሮም ክኽተሉ ፀዊዖም።

እቶም ሰብ ሃፍቲ ብግደኦም ንቐፃሊ እውን ኣብ ጎድኒ ህዝቦምን መንግስቶምን ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም።

ኩሉ ትግራዋይ ቫይረስ ኮሮና ከብፅሖ ዝኽእል ሓደጋ ተረዲኡ በቢዝኸኣሎ ሓገዝ ክገብር ድማ ተላቢዮም።

ፍልፍል፦ጋዜጣ ወይን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment