ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ግብርና ንምውፋር መሬት ወሲዶም ናብ ልምዓት ኣብ ልዕሊ ዘይኣተዉ 24 ሰብ ሃፍቲ ስጉምቲ ተወሲዱ።
ሓላፊ ቢሮ መሬትን ዕደናን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ካልአዩ ገብረህይወት፥ መሬት ካብ ምምንጣል ጀሚሩ መጠንቀቕታ ፅሑፍ ክሳብ ምሃብ ዝበፅሕ ስጉምቲ ኢዩ ተወሲዱ ኢሎም።
ካብ መንጎ እቶም ሰብ ሃፍቲ እቶም ኣርባዕተ ዝኾነ ይኹን ልምዓት ዘይጀመሩን ንካሊእ ሰብ ኣካሪዮም ከም ዝተረኸቡን ብምግላፅ፥ ዝወሰድዎ መሬት ሙሉእ ብሙሉእ ንክምልሱ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።
ዝወሰድዎ 500 ሄክታር መሬት ናብ መንግስቲ ከምዝተመለሰ ድማ ተዛሪቦም።
ካልኦት 20 ሰብ ሃፍቲ ድማ ን6 ኣዋርሕ ዝፀንሕ መጠንቀቕታ ከምዝተውሃቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።